ንመዓልቲ ክሳብ $9 ዶላር እናተኸፍሉ ኣማኢት እሱራት ኣብ ምጥፋእ ባርዕ ሎስ ኣንጀለስ ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣስታት 400 ዝዀኑ እሱራት ፡ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ ንምቅላስ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ ።

A firefighter stands on top of a fire truck to battle a wildfire.

At least five people have been killed, thousands of structures destroyed and nearly 180,000 people ordered to evacuate their homes due to the fires raging around Los Angeles, California, authorities have said. Source: Getty / Apu Gomes

ብኣማእታት ዝቝጸሩ እተኣስሩ መጥፋእቲ ሓዊ ፡ ምስቶም ኣብ መላእ ሎስ ኣንጀለስ ዕንወት ዘውርስ ዘሎ ባርዕ ንምጥፋእ ተዋፊሮም ኣሎ ።
እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ብብርቱዕ ንፋስ ካብ ምብድባድ ንሓጺር እዋን ፈዂሱ ብምጽናሑ ፡ እቶም መጥፋእቲ ሓዊ ስርሖም ክቕጽሉ ክኢሎም እዮም ። ዓርቢ (ኃሙስ ድሕሪ ቀትሪ) ክልተ ዓበይቲ ባርዕ ሓዊ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ እዩ ።
በቲ ሓደጋ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ከም እተቐትሉን ብኣሽሓት ዝቝጸር ህንጻታት ከም ዝዓነወን 180,000 ዝኣኽሉ ሰባት ካብ ኣባይቶም ክወጹ ከም እተኣዘዙን ሰብ መዚ ገሊጾም ።
ክፍሊ ማእሰርትን ተሃድሶን ካሊፎርንያ (CDCR) ን ዘ ጋርድያን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ኣብ 29 ጉጅለታት መጥፋእቲ ሓዊ 395 እሱራት መጥፋእቲ ሓዊ ከም ተዋፊሮም ኣለዉ።
ብረቡዕ ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒዮም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ልዕሊ 4,700 ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ፡ እንተላይ ናይቲ ከባብን ካብ ፌደራልን በራጊድ መጥፋእቲ ሓዊ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ሓቢሩ ።
ካሊፎርንያ ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብወለንታኦም ምስ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ተጸምቢሮም ፡ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ባርዕ ኣብ ምቅላስ ፡ ኣብ ካልእ ሓደጋታት፡ ንሓያሎ ዓመታት ክትጥቀም ጸኒሓ እያ ።
እንተኾነ ግን ናይ ሲቪላዊ መሰላትን ናይ ፍትሒ ተጣበቕቲን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ማእሰርቲ ንዝጸንሑ ሰራሕተኛታት "ምዝመዛ" ይግበር ከምዘሎ ድምጾም ከስምዑ ጸኒሖም ኣለዉ። ውሕስነቶም ተገፊፉ ፡ ብውሑድ ክፍሊት ይምዝመዙ ኣለዉ ብምባል ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ክቃወምዎ ጸኒሖም እዮም ።

እሱራት ሰራሕተኛታት ዉሑድ ወይ ብዘይክፍሊት ይሰርሑ።

ብመሰረት እቲ ኣብ 2022 ዝወጸ ጸብጻብ ማሕበር ሲቪላዊ ሓርነትን ዩኒቨርሲቲ ግሎባል ክሊኒክ ሰብኣዊ መሰላት ቺካጎን፥ ኣመሪካ ፡ ኣብ ግዝኣታትን ኣብ ፌደራላዊ ኣብያተ ማእሰርትን ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ሰባት ተኣሲሮም ኣለዉ ፣ ክልተ ሲሶ ካብዞም እሱራት ከኣ ፡ ሰራሕተኛታት እዮም ።
እቲ ጸብጻብ ፡ "ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ፡ እዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ሰባት ዝሰርሕዎ ስራሕ ፡ ምስቶም ኣብ ደገ ዝሰርሑ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ይመሳሰል እዩ" ይብል ።
"እንተዀነ ግን: ክልተ ኣገደስቲ ፍልልያት እዩ ዘሎ: - ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝእሰሩ ሰራሕተኛታት ኣስራሕቶም ምሉእ ብምሉእ ይቈጻጸርዎም እዮም: ካብ ምዝመዛን ምዝመዛን ጸበባን ዝከላኸሉሉሉ ኣዝዩ ውሑድ ዉሕስነት ዘለዎምን ንምዝመዛ ቅሉዓት እዮም ።"

Share
Published 10 January 2025 11:04pm
By Emma Brancatisano
Source: SBS


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service