ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (16 ጥሪ 2025)

World - Tigrinya.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 16 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ መቐለ ዝቐነየ ሰልፊ ተመዛበልቲ ቀዳማይ ምዕራፉ ከም ዝተዛዘመ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ቻይና ከምትድግፎ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቸን ሃይ ከም ዝተዛረበ ተሓቢሩ። ኣብ ካናዳ፣ ብሰንኪ ናዕቢ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም። ኣብ ኣውስትራሊያ 26 ጥሪ ሃገራዊ መዓልቲ እዩ ፤ እታ ዕለት ግን ኣሰሓሓቢት እያ ። ብዙሓት ናብ ኣውስትራሊያ ሓደሽቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ነታ ሓድሽ ዓዶም ኣብዚ ዕለት ከብዕልዋ ይደልዩ እዮም ፡ እንተኾነ ብድሕሪ እዛ መዓልቲ ዘሎ ሙሉእ ታሪኽ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ። ንገለ ተቐማጦ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣቦርጂንን ፡ 26 ጥሪ ኣብ ታሪኽ ህይወቶም ዘሕዝን ፍጻመ ከም እተፈጸመ ፡ ናይ ሞትን ህየትን ፡ ወራርን ሓዘንን መዓልቲ ገይሮም ይሓስብዋ ። ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ቀጠር ፡ እቲ ብዛዕባ ኣብ ጋዛ ውግእ ደው ንምባልን ዓሰርተታት ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ክፍነዉ ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ስምምዕ ተገይሩ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከብ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ ብውሑዱ 78 ሬሳታት ከምዝተረኽበ ተፈሊጡ፡ ኣውስትራሊያዊ ተጻዋታይ ቴኒስ ታናሲ ኮኪናኪስ ብ እንግሊዛዊ ጃክ ድራፐር ተሳዒሩ ናብ ሳልሳይ ዙርያ ኣውስትራሊያ ኦፐን ክግስግስ ኣይከኣለን



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service