ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግሪኛ (20 ጥሪ 2025)

Daily News SBS Tigrinya

Source: Getty

ን ሎሚ 20 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ : ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ በዓል ጥምቀት ብተኸተልቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ መቐለ፣ አስመራን ኣዲስ ኣበባን ብድምቀት ተኸቢሩ። ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ኣባ ማትያስ ቀደማዊ ንመራሕቲ ትግራይ ገሲፆም። ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምትእትታው ክቝጠብ ኣተሓሳሲቡ። መጠን GDP ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ካብ 207 ቢልዮን ዶላር ናብ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝወረደ ተገሊጹ። ኤርትራ ንህዝቢ ፍልስጤም ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ መራሒ ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ የሆል ማእሰርቱ ክሳብ 20 መዓልታት ክናዋሕ ኣብ ዝወሰነሉ ቤት ፍርዲ ደገፍቱ ኣብ ቤት ፍርዲ ሶል ደፊኦም ነቲ ቤት ፍርዲ ወሪሮም ። ዶናልድ ትራምፕ ፡ ቅድሚ ናይ ካልኣይ ፕረዚደንታዊ መመረቕታ ፡ ምስ ስድራ ቤቱን ደገፍቱን መሻርኽቱን ኰይኑ ንምጽምባል ናብ ዋሽንግተን ኣትዩ ። ስፓኛዊ ካርሎስ ኣልካርታዝ ኣብ ዉድድር ኤኒስ ኣውስትራልያ ኦፐን ናብ ናይ ራብዓይ ዙር ውድድር ብምብጻሕ ኣብ ደረጃ ናይ ግራንድ ስላም ክበጽሕ ኣብ ታሪኽ ዝነኣሰ ተጻዋታይ ክኸውን ክ ኢሉ ኣሎ፣



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service