ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (21 ሕዳር 2024)

Daily News SBS Tigrinya

Source: Getty

ንሎሚ ሓሙስ 21 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሰዲዶም ኣብ ፈቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ንዘለዉ ኣውስትራሊያ ትህቦ ቪዛ እናወሓደን ነቲ ቪዛ ንምርካብ ንውሓት ግዜ ኣዚዩ ነዊሕ ዓመታት ዝወስድ ዘሎ ክስተት እዩ። እዚ ንምንታይ እዩ ኮይኑ፧ ግደ ኣብዚ ዘሎ ማሕበረሰብከ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ዝብሉን ምስዚ ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ ብርሃን ኣሕመድ መሊሱልና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታት ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስነት ክወሃቦም ጸዊዑ።ሃገራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ፡ ተጋደልቲ ነበር ናብ ሕብረተሰብ ምፍናውን፣ ምጥያስን ስርሑ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ትግራይ ብዕሊ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ። ዝብሉን ካልእን ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ድሕሪ ዚአና ክቐርብ እዩ. ጸገም ድቃስ ምስኣን፡፧ ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ዩክረይን ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተሰርሐ ሚሳይላት ናብ ራሻ ድሕሪ ምውንጫፋ ሓደ መዓልቲ ተኸታታሊ ናይ British Storm Shadow cruise ሚሳይላት ተኲሳ ኣላ ። ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ተዓዊቱ። ኣመሪካ ነቲ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብህጹጽ ደው ክብል ዝጽውዕ ዉሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ በቲ ዘለዋ ናይ ቐውፊ ወይ ቨቶ መሰል ተጠቒማ ነቲ ዉሳነ ደው ኣቢላቶ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service