ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (28 ሕዳር 2024)

Daily News SBS Tigrinya

Source: Getty

ንሎሚ ሓሙስ 28 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶ/ር ሳዕድያ ሓሰኒን ካብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም በዓልቲ ሞያ ኣንትሮፖሎጂ ኮይና፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣብ ስዊድንን ኣውስትራሊያን መጽናዕቲ ተካይድ ምህርቲ እያ። ኣብዚ እዋን ሕማም ለበዳ ኮቪድ ኣብ ስዊድን ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ከምኡ'ውን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን መጽናዕታ ተካይድ ኣላ። ብዛዕባ ትገብሮም መጽናዕትታትን ብሓፈሻ ብዛዕባ ስርሓን ኣዕሊላትና ኣላ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ተመያዪጦም።ኢትዮጵያን ክኢላታት ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ኣብ ካልኣይ ዳግመ ግምት ናይቲ ዝተናውሐ ውዕሊ ልቓሕ ተሰማሚዖም። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ይርከቦ። ምርዳእ ብዛዕባ ኣብያተ መድሃኒት ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከም ዝሰርሕ፥ ኣርእስቲ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ንትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ካብ ምጥቃም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝእግድ ሕጊ ሎሚ [28 ሕዳር] ክጸድቕ ትጽቢት ይግበር። ። ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላህን ዝነበረ ውግእ ደው ንምባል ዝተገብረ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ስዒቡ ኣብ ዉሽጢ ዉሑዳት ሰዓታት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሊባኖሳውያን ፡ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ። ን ኣውስትራሊያ ወኪሉ ኣብ ፓሪስ ሰለስተ ግዜ ናይ ኦሎምፒክ መዳልያ ዝተዓወተ ተወዳዳሪ ብሽግለታ ኣብዚ ሰሙን ብዝወሰዶ ስጉምቲ ብAusCycling ተኾኒኑ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service