ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (30 ታሕሳስ 2024)

Full Podcast Tigrinya.jpg

Credit: SBS Tigrinya

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (30 ታሕሳስ 2024) *ሞት ፕረዚደንት ጂሚ ካርተር፣ ቅነ ሓዘን ነቶም ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝወደቐት ነፋሪት ዝሞቱ ሰባት ተኣዊጁ፣ ጸብጻብ ልኡኽና፤ * ብዛዕባ ዕደና ወርቂ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ከለዉ ብዕጡቓት ተጨውዮም ዝተብሃሉ ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ ከም ዝተለቐቑ ተገሊጹ፣ * ኣብ ክልል ሲዳማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 71 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም፣ * ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞትዎስን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን መሓመድን ናብ ጁቡቲ ኣትዮም፣ * ኣብ ክልል ዓፋር እምባ ኣዋሽ ፈንታሌ ትማሊ ጥራሕ 7 ጊዜ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመን እቲ ዝለዓለ 5.0 ምዃኑን ተገሊጹ፣ * ሓደ ኦስካር ጀንኪንስ ዝተባህለ ኣውስትራልያዊ ወዲ 32 ዓመት መምህር ስነህይወት ብወተሃደራት ሩስያ ኣብ ዩክረይን እናተሓተተ ዝመስል ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መድረኻት ድሕሪ ምዝርግሑ ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ቅልጡፍ መርመራታት የካይድ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ * ኲናት ኣብ ቓዛ ዓለምለኻዊ ኣርእስታት ዜና ኣብ'ዚ ዓመት ዓብሊልዎ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላት ቮልከር ተርክ ነዚ ዘሕዝን መዝገብ ታሪኽ ኣብ ዓለም ቆላሕታ ክረክብ ገይሩ፡ ዓሰርተ ኣዋርሕ ድሕሪ ፍጻመታት ጥቅምቲ 7 ቁጽሪ ዝሞቱ ፍልስጤማውያን 40ሽሕ በጺሑ። እዚ ዓመት ብተወሳኺ ኣብ ፖለቲካ ኣሜሪካ ምጥውዋያት ዝመልኦ ኔሩ። ነዚ ዓመት ብመንጽር ዓብለልቲ ዜናታትን ፍጻመታትን ዝግምግም ትሕዝቶ ኣለና። * ሰሙናዊ መደብ ስፖርት * ዓመተ 2024 ኣብ ዝተጠናቐቐሉ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ታሪኽ ስፖርት ስሞም ካብ ዘጸውዑ ኣፍሪቃውያን ብሓበን ነዛ ዓመት ዝዝክርዋ ክኸውን`ዩ ክብል ቢቢሲ ጸብጺቡ፣ * ግጥማት ጽባሕ በዓል ልደት/ቦክሲንግ ደይ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝሓለፈ ሰሙን ተኻይዶም ቅልውላው ማንቸስተር ዩናይትድ መመሊሱ ገዲዱ፣ ሊቨርፑል መሪሕነታ ዓቂባ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ምምዝጋቡ ይቕጽሎ፣ * ሰንበት ከኣ ኣብ ቅልውላው ተሸሚማ ዘላ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ንፈለማ ግዜ ተዓዊታ፣ ኣብ`ዚ ዓመት ኣገራሚ ውጽኢታት ተመዝግብ ዘላ ኖቲንግሃም ፎረስት ናብ ካልኣይ ተርታ ደይባ፣ ሊቨርፑል ድማ ዓመተ 2024 ብ8 ነጥቢ ፍልልይ ቀዳመይቲ ኮይና ዛዚማቶ፣



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service