ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (12 ታሕሳስ 2024)

SBS Tigrinya News

Source: SBS

ቀጥታ ፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስቢኤስ ትግርኛ (16 ሕዳር 2024) * ጸብጻብ ዜናታት - ዞባዊን ዓለማውን * ጸረ ሴማውነት (Antisemitism) ሓድሽ እንተዘይኮነ’ኳ ክኢላታት ኣብ'ዚ እዋን ንርእዮም ዘለና ጸረ-ኣይሁድውያን ተግባራትን መጥቃዕታትን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ ኣጋጢሞም ኣይፈልጡን ይብሉ። ስለ'ዚ እንታይ ደኣ'ዩ ተቐይሩ፧ * ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራሊያ ዝሓለፈ ወርሒ ዓሌታዊ ኣድልዎ ንምጥፋእ ዝዓለመ፡ ሃገራዊ መርሓ ጸረ ዓሌትነት ኣውጺኡ ነይሩ። እዚ ብኹሉ መዳይ ኣብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰብን ደረጃታት መንግስቲን ንዓሌታዊ ኣድልዋ ንምጥፋእ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ስጉምቲ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። እዚ ናይ ፈለማ ሃገራዊ መርሓ ምስ’ንኽተል ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ኣውስትራሊያ ከንጥፍኦ ንኽእል ኢና ብምባል ተመራመርቲ ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ፈትሒ ማንሱሪን ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘ ኮንቨርዘሽን.ኮም ሓደ ጽሑፍ ኣቕሪቦም። ነዚ ጽሑፍ መሰረት ጌርና ብዛዕባ’ቲ መርሃ ሕንጻጽን ክትግበረሉ ዝኽእል ኩነታትን ንሓደ ካብ’ቶም ጸሓፍቲ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ መብርሂ ክህበና ተወኪስናዮ ኔርና። ካብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝቐጸለ ናይ መወዳእታ ክፋሉ ሎሚ ክቐርብ’ዩ። * ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ - ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ናሆም ዘርኣይ ምስ ሓንቲ ጃፓናዊት ጋንታ ከምዝተጸንበረ ተፈሊጡ፣ - ንኣዋርሕ ዝኣክል ንብዙሓት ሰንፈላል ገይሩ ዝጸንሐ ዜና ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2034 ፊፋ ስዑዲ ዓረብ ከተአንግድ ምዃና ድሕሪ ምግላጹ መዕለቢ ረኺቡ፣ - ኣብ ማራቶን ሆኖሉሉ ዝተዓወተ ኤርትራዊ የማነ ሃብተስላሰ ወረቐቱ ተወዲእሉ ንኣሜሪካ ክወዳደር ሕልሙ ምዃኑ ገሊጹ፣ - ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተኣምራዊ ብቕዓቱን ሽቶታት ምምዝጋቡን ይቕጽል፣ ኣብ ቅልውላው ተሸሚማ ዘላ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ማንቸስተር ደርቢ ተሳዒራ፣



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service