“ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተታሕዘ ናይ ብዙሓት ናይ ሓባር ጉዳይ ኮይኑ ስለዘሎ ካብ ገዛኹም ክትወጹ ብውልቂ ንዝመጻኩም መልእኽቲ ተጠንቀቑሉ፣” ብርሃን እስማዒል ጃብር

2024-12-18 (1).png

Credit: Berhan Jaber

ክቡራት ሰማዕትና ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት መንግስቲ ግዝኣት ቪክቶርያ ነቶም ብዙሓት ካብ ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ካልኦትን ዝነብሩሎም ኣብ 1960ታት ዝተሃንጹ ህዝባውያን ወይ መንግስታውያን ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ከፍርሶም መደብ ሒዙ ክሰርሓሉ ጸነሑ'ዩ። ዝበዝሑ እቶም ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ዕድሚኦም ወይ ድልዱላት ኮይኖም ዝጸንሕሉ ዕድመ 50 ዓመት ስለዝሓለፈ፣ ንመጸገኒኦም ጥራይ ኣብ ዝመጹ 20 ዓመታት ልዕሊ 2.3 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ፣ ዘመናዊ ኮዳት ህንጻታት፡ ብሃገር ደረጃ ዝስርሓሎም መለክዒታት መጠን ሃልኪ ጸዓት ድሕሪ ደጊም ኣየማልኡን፣ ንዝበዝሑ ነበርቲ ብቐሊሉ ክኣትዉሎምን ክወጹሎም ዝኽእሉ ምቾት ኣይፈጥሩን ወዘተ ዝብሉ ምኽንያታት መንግስቲ የቕርብ። እቲ እንኮ ቅቡል ወይ ዘላቒ መፍትሒ ኣፍሪስካ ምህናጾም'ዩ ክብል ከኣ ጸኒዑ'ሎ። ነበርቲን ተጣበቕትን ናይ`ቶም ህንጻታት ግን ዘመናዊ ንምግባሮም ከምዘለውዎ ጽገና ክግበረሎም ይኽእል`ዩ፣ ንምፍራሶም ክውሰን`ንከሎ ምሳና ምምኽኻር ኣይተገብረን፣ መንግስቲ ንምፍራሶም ዝተጠቕመሉ ሓበሬታን ምኽንያትን ብምሉኡ ኣይገለጾን፣ ዝሓብኦም ሰነዳት ኣለዉ፣ ዕድሜና ምሉእ ዝሃነጽናዮም ማሕበረሰባትን መሳለጥያታትን ይብተኑ ኣለዉ፣ ዝተዋህቡና ካልኦት ኣማራጺታት ምሉኣትን እኩላትን ኣይኮኑን፣ ስነኣእሞራውን ቁጠባዊን ጽልዋታቱ ብግምት ኣይተጸንዐን፣ ወዘተ ክብሉ ንከይፈርሱ ይከላኸሉን ይማጎቱን ኣለዉ። ሓደ ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብን ጋዜጠኛን ዝኾነ ኣቶ ብርሃን እስማዒል ጃብር ነዚ ጉዳይ ካብ ፈለምኡ ክከታተሎን ኣብኡ ክሳተፍ ዝጸንሐን ኤርትራዊ ኣውስትራልያዊ`ዩ። ኣብ`ዚ ቀረባ ግዜ ቤት ፍርዲ ዝረኣዮ እዚ ጉዳይ ብሓፈሽኡ እንታይ ይመስልን ኣብ ምንታይ በጺሑ ኣሎን መብርሂ ሂቡና`ሎ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service