ከም'ዚ ማሕበረሰብ ገይሩ ሽቕለተ ኣልቦነት ዘጋጥሞ ካልእ የለን

SOUTH SUDANESE COMMUNITIES AUSTRALIA

The unemployment rate of Australia's Dinka community sits at 7.8%. Credit: LUIS ASCUI /AAPIMAGE

ኣብ ኣውስትራሊያ መጠን ሽቕለተ ኣልቦነት ኣብ ማሕበረሰብ ዲንካ ካብ'ቲ ማእከላይ ሃገራዊ መጠን ዳርጋ ዕጽፊ'ዩ።


ብመሰረት ቆጸራ ህዝቢ ናይ 2001፡ ቋንቋ ዲንካ ተዛረብቲ ዝኾኑ መጻእቲ ካብ ደቡብ ሱዳን ናይ 7.8% መጠን ሽቕለት ኣልቦነት የጋጥሞም፡ እቲ ሃገራዊ መጠን ግን 4.2% እዩ።

ንሓደስቲ መጻእቲ ኣብ'ቲ ንዕኦም ዘገድሶም ዓይነት ሞያ ሽቕለት ወይ ስራሕ ኣብ ምርካብ ጸገም ከጋጥሞም ልሙድ ተርእዮ'ዩ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ዘጥረይዎ

እንተኾነ ግን፡ ኣብ'ዚ ትሕዝቶ፡ SBS Examines ንጀይምስ ኣኮልን ቡዎል ኩዎልን ኣዘራሪብዎም።

ክልቲኦም ኣብ ኣውስትራልያውያን ዩኒቨርሲቲት'ዮም ተመሪቖም፡ ዓመታት ሓሊፉ ግን ኣብ'ቶም ብቕዓት ሞይኦም ዝኾኑ ዓውዲ ሰብኣዊ ዓቕምታትን ንግድን ገና ስራሕ ኣይረኸቡን።

ሚስተር ኩዎል ናብ 73 ዝኾኑ ክፉታት ቦታታት ስራሕ ኣመልኪቱ ንቃለመሕትት ወይ ብዛዕባ'ቲ ስራሕ ንክዘራረብ'ውን እንተኾነ መጸዋዕታ ተቐቢሉ ከምዘይፈልጥ ንSBS Examines ሓቢሩ።

ሚስተር ኣኮል ከኣ ኣብ ሓደ ግብረሰናይ ማሕበር ኣብ ዓውዲ ሰብዓዊ ዓቕምታት ዕድል ስራሕ ተዋሂቡኒ ኢሉ። ዕዉት ዝኾነ ቃለመሕትት ብቴሌፎን ኣካይዱ፡ ነቲ ውዕል ስራሕ ክኽትመሉ ብኣካል ምስ መጸ ግን እቲ ውዕል ተሳሒቡ ክብል ገሊጹ።

“ርእይ ምስ ኣበሉኒ 'ንስኻ ደኣ ድሕረባይታኻ ኣፍሪቃ'ንድዩ... እዚ ሓደ ጸገም እንድዩ፡' ኢሎምኒ፡" ኢሎምኒ ኢሉ።


እዚ ትሕዝቶ SBS Examines፣ ብምትሕብባር ምስ ኤስቢኤስ ዲንካ ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ማሕበረሰብ ዲንካ ሽቕለት ወይ ስራሕ ኣብ ምርካብ ዘጋጥምዎም መሰናኽላት ክምልከት'ዩ።

Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service